ዶግዳግ ጫማ፡ ኣብ ምህሳይ ጭዋዳታት ዓንካር-ዓንካሪቶ

በሪኽ ቁመት ዘለዎ ዶግዳግ ጫማ፡ ኣብ ዓንካርዓንካሪቶ ንዝርከቡ ጭዋዳታት ክሃስዮም ከም ዝኽእል ሜዲካል ኤክስፕረስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጥዕና ኣጠንቂቑ። እቲ መርበብ፡ ኣብ ግዜ ምንቅስቓስ በሪኽ ታኮኡ ጫማ ንጭዋዳታት ስለዝሃሲ፡ መዓልታዊ ክዝውተር ከምዘይብሉ ወሲኹ ኣገንዚቡ። ናይ ዓንካርዓንካሪቶ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ቃንዛ ንምጉዳል ክሕግዞም ተባሂሉ ብርኽ ዝበለ ጫማ ክወድዩ ይረኣዩ እዮም። እዚ ግን ብስነ-ፍልጠት ዝተደገፈ ስለዘይኰነ፡ ኣብ … Read more

ደጋጊምካ ሰዓት ምዕዛብ ንስእነት ድቃስ የጋድድ

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኢንዲያና፡ ደጋጊምካ ሰዓት ምዕዛብ ንስእነት ድቃስ የጋድድ ሰዓት ምዕዛብ ንስእነት ድቃስ ከምዘቃልዕ ሓቢሮም። ስእነት ድቃስ ኣብ ማእከላይን ዳሕረዋይን ደረጃ ዕድመ ኣብ ዝርከቡ ሰባት ብተደጋጋሚ ዝርአ ጸገም ኮይኑ፡ ንሕማማት መትኒ ልቢ፡ ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ኣእምሮን እዩ ዘቃልዕ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕ ናይ ድቃስ ጸገማት ኣብ ዘለዎም ተሳተፍቲ እዩ ተኻይዱ። ድቃስ ኣብ ዝኣብየካ … Read more

“ኣብ ግዜ ቊልዕነት ዘጋጥም ዘሰንብድተመኩሮ፡ ሕዱር ሕማም የኸትል” ተመራመርቲ

ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልእን ዝኣመሰለ ዘሰንብድ ተመኩሮ፡ ገለ ካብ’ቲ ካብ ኣእምሮና ክሃስስ ዝድንጒ ሕማቕ ተዘክሮ እዩ። እቲ ክስተት፡ ኣብ እዋን ቊልዕነት ዘጋጠመ ምስ ዝኸውን፡ ብኣጋኡ ድማ ፍታሕ ምስ ዘይግበረሉ፡ ኣብ’ቲ ሰብ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤን እዩ ዘኸትል። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ – ኬምብሪጅ፡ ሓደ ሰብ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ዘሰንብድ ተመኩሮ ምስ ዘሕልፍን ማህሰይቱ ንምእላይ ድማ ግቡእ ሕክምናውን ሞራላውን … Read more