ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኢጣልያ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ተመሊሱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንሱ ዝመርሖ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕንኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ዝቘመ ልኡኽን፡ ካብ 28 ጥሪ ኣብ ሪፓብሊክኢጣልያ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ትማሊ 8 ለካቲት ሰዓት 2፡30 ድሕሪ-ቐትሪ ተመሊሱ።ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት፡ ብዕድመ መንግስቲ ኢጣልያ፡ብ28ን 29ን ጥሪ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተቓንዐ ናይ ፈለማ ዋዕላ መራሕቲ … Read more

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ተርታ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

ካልኣይ መድረኽ ዙር ኣልዑላ ረቡዕ 31 ጥሪ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ተርታ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ። ተቐዳደምቲ ኣብዚ ናይ ትማሊ ካልኣይ መድረኽ 199 ኪሎ ሜተር እዮም ሸፊኖም። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ኣብ ሰዓት ኣስታት 42.3 ኪሎ ሜተር እናተሓንበበ ንውድድሩ ብ4 ሰዓት፡42 ደቒቕን 4 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ክኸውን … Read more

ኣገዳስነት ማዕድን ንኣካላዊ ዕብየት

ኣእካል፡ ስጋ፡ ፍረታትን ኣሕምልትን ኩሎም ትሕዝቶ ማዕድን ኣለዎም። ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንኣሽቱ ዋህዮታት፡ ብግቡእ ክዓብዩን ስርሖም ከሰላስሉን ናይ ግድን መኣዛ (nutrient) የድልዮም። መኣዛ ብመንገዲ ቫይታሚን፡ ካርቦሃይድሬት፡ ማዕድንን ስብሕን ይግለጽ። እዞም መኣዛታት ሰብነትና ባዕሉ ዘፍርዮም ወይካብ መግቢ ዝረኽቦም ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ማዕድናት ንሰብነትና ዝህብዎ ጥቕሚ ክንዝርዝር ኢና።ሰብነትና ጥዕናኡ ሓልዩ ብጽቡቕ ክቕጽል፡ ናይ ግድን … Read more

ው.ጥ.ዓ፡ ኣርተፊሻላዊ ሽኮር ከነወግድ ተማሕጺኑ

ኣብ’ዚ ቀረባ ዓመታት፡ ሰብ-ሰርሖ ሽኮር ኣብ ጥዕና ሰብ ዘለዎ ጉድኣት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሳክሪን ሱክርሎዝን ዝበሃሉ ኣርተፊሻላውያን ሽኮራውያን መማቕርቲ፡ ኣብ ደም ዝርከብ ዓቐን ሽኮር ከምዘልዕሉ ክሕበር ከሎ፡ ኤርይትሪቶል ዝበሃል መማቕርቲ ከኣ ምርጋእ ደም ከምዘኸትል እዩ ክልለ ተኻኢሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝኾነ ሰብ ካብ ሰብ-ሰርሖ ሽኮራዊ ትሕዝቶታት፡ ባህርያዊ ሽኮር ዘለዎም መግብታት ኮነ ዓይነት መስተታት ከዘውትሩ … Read more

ፈረንሳ፡ ዘየቋረጸ ምዝመዛ ኣፍሪቃ 

ህላወ ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ካብ መበል 17 ክፍለ-ዘመን ከምዝጅምር መዛግብ ታሪኽ ይሕብሩ። ፈረንሳ ከም መግዛእታዊ ሓይሊ ዝተቐልቀለት ግና፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን’ዩ። ኣብ 1830 ብኣልጀርያ ዝጀመረ ግዝኣታ፡ ድሕሪ ዋዕላ በርሊን ንኣፍሪቃ ንምምሳሕ ብዝተገብረ ጉያ-ጉያ፡ ንቱኒዝያን ሞሮኮን ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒማ፡ ነቲ “ናይ ስልጣነ ተልእኾ” (civilizing mission) ዝሰመየቶ ናይ ምስፍሕፋሕ ውጥን፡ ናብ ምዕራብን ዞባ ኤኳቶርያዊ ኣፍሪቃን … Read more