ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ተርታ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ

ካልኣይ መድረኽ ዙር ኣልዑላ ረቡዕ 31 ጥሪ ኣብ ዝቐጸለሉ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ተርታ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ። ተቐዳደምቲ ኣብዚ ናይ ትማሊ ካልኣይ መድረኽ 199 ኪሎ ሜተር እዮም ሸፊኖም።

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኣስታና ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ኣብ ሰዓት ኣስታት 42.3 ኪሎ ሜተር እናተሓንበበ ንውድድሩ ብ4 ሰዓት፡42 ደቒቕን 4 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ክኸውን በቒዑ። ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2023 ሄኖክ፡ ማልያ ካዛኪስታናዊት ክለብ ኣስታና ወድዩ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ውድድር ከምዚ ዓይነት ዓወት ምምዝጋቡ፡ ኣካየድቲ እታ ጋንታ ኣብ ልዕሊ’ዚ ተቐዳዳማይ ልዑል ተስፋ ከንብሩ ክኢሎም ኣለዉ።

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ንራብዓይ ግዜኡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር፡ ሄኖክ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ዝተገብረ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር’ዩ ውድድር ማውንተይን ባይክ ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል ፈሊሙ ብጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ዝተወደበ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ ዘሎ።

ኣብዚ ውድድር ምስ ማለዥያዊት ክለብ ተረንጋኑ ኮይኑ ውድድሩ ዘካይድ ዘሎ ካልእ ምኩር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ መበል 17 ተርታ ሒዙ ውድድሩ ከም ዝፈጸመ ተፈሊጡ ኣሎ። ብሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ናይዚ 2.1 መለክዒ ዘለዎ ውድድር፡ ሄኖክ መበል 17 መርሃዊ ከኣ መበል 19 ደረጃ ሒዞም ምንባሮም ኣይርሳዕን።

ብመሰረት ተኻይዱ ዘሎ ክልተ መድረኻት ሻምፕዮ ኣፍሪቃ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ናይ ግዜ ውድድር 17 ደረጃ ብምሕኳር ካብ ኖርወጃዊ ተቐዳዳማይ ሶረን ውርነርስኮልድ ብ4 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ክስራዕ ከሎ፡ ኣብ ናይ ነጥቢ ከኣ 12 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ብተመሳሳሊ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተቐሚጡ ኣሎ። ነዚ ናይ ነጥቢ ውድድር ኖርወጃዊ ሶረን እዩ ብ22 ነጥቢ ዝመርሖ ዘሎ።

ሄኖክ ብዘይካ’ዚ፡ ጻዕዳ ማልያ ብሉጽ መንእሰይ ተቐዳዳማይ ንምውሳድ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቅልስ’ውን ብ4 ካልኢት ተበሊጹ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ’ዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ንኽልተ ዓመት ማልያ ክለብ ኣስታና ወድዩ ክወዳደር ተሰማሚዑ ዘሎ ሄኖክ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ዓበይቲ ዓወታት ከም ዘመዝገበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ከኣ ሒዝዎ ብዘሎ ብቕዓት ተመሳሳሊ ውጽኢት ክጐናጸፍ ትጽቢት ኣሎ። ዙር ኣልዑላ ሎሚ’ውን 170.6 ኪሎ ሜተር ብዝሽፍን ሳልሳይ መድረኽ ቀጺሉ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ዝተፈላለየ ዓለምለኻዊ ውድድራት ብዘመዝግብዎ ዘለዉ ብሉጽ ውጽኢት መዛረቢ ማዕከናት ዜና ስፖርት’ዮም ኮይኖም ዘለዉ። ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ብድምር ሸሞንተ መዳልያታት ክትዓትር ከም ዝኸኣለት ይፍለጥ። ኣቐዲሞም ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ውድድራት ድሙቕ ውጽኢት ከም ዘመዝገቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናትናኤል ብርሃነ ከኣ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ብሩር መዳልያ ከም ዝተሸለመ ኣይርሳዕን።

source: hadas eritrea

Leave a Comment