ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኢጣልያ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ተመሊሱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንሱ ዝመርሖ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን
ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ዝቘመ ልኡኽን፡ ካብ 28 ጥሪ ኣብ ሪፓብሊክ
ኢጣልያ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ትማሊ 8 ለካቲት ሰዓት 2፡30 ድሕሪ-ቐትሪ ተመሊሱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት፡ ብዕድመ መንግስቲ ኢጣልያ፡
ብ28ን 29ን ጥሪ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተቓንዐ ናይ ፈለማ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኢጣልያን
ተሳቲፉ።
ጐድኒ-ጐድኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒን
ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ብሓፈሻ፡ ኣብ
ጽላታት ትሕተ-ቅርጺ ጽርግያታት፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ሕርሻ፡ ሰንዓ፡ ሃብቲ ዓሳን ጸዓትን ድማ
ብፍላይ ዘትዮም።
ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ሚኒስተር ኣከባብን ጸዓትን፣ ሚኒስተር
ሕርሻ፡ ውሕስነት መግቢን ሃብቲ ገረብን፣ ሚኒስተር ባህሊ፣ ሚኒስተር ስፖርትን መንእሰያትን፣ ምክትል
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን፡ ከምኡ’ውን ምስ ኣካየድቲ
ዝተፈላለያ ኣፍረይቲ ትካላት ኢጣልያ፡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ፡ ምልውዋጥ ተመኲሮ፡ ምስግጋር
ቴክኖሎጂን ዕድላት ወፍሪን ተዘራሪቡን፡ ኣብ ኣፍረይቲ ትካላትን ቱሪዝማዊ ቦታታትን ዑደት
ኣካዪዱን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጐድኒ-ጐድኒ ዋዕላ ኣፍሪቃን ኢጣልያን፡ ምስ ፕረዚደንት ፈደራላዊት
ሪፓብሊክ ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ
ዝምድናን ምትሕግጋዝን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ምዕባለታትን ከምእተዘራረበ
ዝዝከር እዩ።
ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለያ ኣፍረይቲ ትካላት ኢጣልያ ከካይዶ ዝቐነየ ዑደት፡
ፕረዚደንት ኢሳይያስ – ብ6 ለካቲት እውን ካብ ከተማ ፐሩጃ 300 ኪ.ሜ ተጓዒዙ፡ ኣብ ኣውራጃ ሉካ
ኣብ ዝርከብ ትካል ፍርያት እምነ-በረድ ሄንሮክስ ዑደት ኣካዪዱ ነይሩ።
ነቲ ኣብ 50 ሽሕ ሄክታር ዝተደኰነ ዘመናዊ ትካል ተዘዋዊሩ ኣብ ዝተዓዘበሉ – ንኣሰራርሓኡን
ዓጢቕዎ ዘሎ ቴክኖሎጂን ውጽኢቱን ብዝምልከት፡ ብክኢላታት መብርሂ ተዋሂብዎ።
ኣብ 1821 ምፍራይ እምነ-በረድ ዝፈለመ ትካል ሄንሮክስ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብዕብየቱ፡ ብቕዓት
ፍርያቱን ዓጢቕዎ ዘሎ ዘመናዊ መሳርሒታትን፡ ኣብ ዓለም መሪሕ ተራ ሒዙ ከምዘሎ፣ ፍርያቱ ናብ
ሽድሽተ ክፍላተ-ዓለም ከምዝከፋፈል – ኣካየድቱ ገሊጾም።
ትካል ፍርያት እምነ-በረድ ሄንሮክስ፡ ምስ ኤርትራ ብሽርክነት ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ከምዝርከብ
ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ባጽዕ – ኣብ መዓልቲ 40 ቶን በረድ ከፍርያ ዝኽእላ ማሽናት ተተኺ

Leave a Comment