ኣብ’ዚ ቀረባ ዓመታት፡ ሰብ-ሰርሖ ሽኮር ኣብ ጥዕና ሰብ ዘለዎ ጉድኣት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሳክሪን ሱክርሎዝን ዝበሃሉ ኣርተፊሻላውያን ሽኮራውያን መማቕርቲ፡ ኣብ ደም ዝርከብ ዓቐን ሽኮር ከምዘልዕሉ ክሕበር ከሎ፡ ኤርይትሪቶል ዝበሃል መማቕርቲ ከኣ ምርጋእ ደም ከምዘኸትል እዩ ክልለ ተኻኢሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝኾነ ሰብ ካብ ሰብ-ሰርሖ ሽኮራዊ ትሕዝቶታት፡ ባህርያዊ ሽኮር ዘለዎም መግብታት ኮነ ዓይነት መስተታት ከዘውትሩ ተመራጺ ምዃኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም መኺሩ።
ከም መማቕርቲ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዕሹጋት መግብታትን ልስሉስ መስተታትን ዝርከብ ኣርተፊሻላዊ ሽኮር፡ ኣብ ጥዕና ወዲ-ሰብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘውርድ፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ ተገሊጹ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዝበዝሑ ሰብ- ሰርሖም ሽኮራውያን መማቕርቲ፡ ዋላ’ኳ ከም’ቲ ብዝተፈላለዩ ክኢላታት ዝግለጽ፡ ግዜያዊ ምጉዳል ክብደት ሰብነት ዘኸትሉ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ግን ከም ሕማም ሽኮር፡ ጸገማት ልብን ሞት ኣብ ዘይእዋኑን ዝኣመሰሉ ጸገማት
ገደብ ዓለማዊ ዋዒ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ክጥሓስ ተኽእሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ
ጥዕና ከምዘስዕቡ ኣረዲኡ። ትሕዝቶ ኣርተፊሻላዊ ሽኮር ዘለዎም መግብታት ወይ መስተታት ምምጋብ ኮነ ምስታይ፡ ነቲ ሽኮራዊ ትሕዝቶ ዝሃርፍ ሽውሃት ብምዕጻው ክብደት ሰብነት ከጉድል ከምዝኽእል እዩ ብገለ ክኢላታት እዚ ዓውዲ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ እዚ መስርሕ ምጉዳል ክብደት ሰብነት ግዜያዊ እምበር ኣብ ዝተናውሐ እዋን ሳዕቤናቱ ከቢድ ምዃኑ እዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘነጽር ዘሎ።