ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ፍርያት መመላኽዒ ሓደገኛ ቀመማት ተረኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ መጸባበቒታትን ንውልቃዊ ክንክን ዘገልግሉ ኮዝሞቲካዊ ፍርያትን፡ ክበርሱ ዘይክእሉ ሓደገኛ ቀመማት (PFAS) ከምዝተረኽቡ ተቓሊሑ። እቶም ዘይበርሱ ቀመማት፡ ኣብ ጥቕሚ ምስ ወዓሉ ኣብ ኣካላትን ኣከባብን ናይ ምእካብ ዓቕሚ ዘለዎም ምዃኖም ድማ ተሓቢሩ።
እቶም ክኢላታት፡ ንመብዛሕትኦም ነቶም ሓደገኛ ቀመማት፡ ኣብ ውሽጢ’ቶም ኣብ ዝተፈላለያ ምዕቡላት ሃገራት ንመመላኽዒታትን ንውልቃዊ ክንክን ኣካላትን ዘገልግሉ መጸባበቒ ፍርያት ክረኽብዎም ከምዝኸኣሉ ገሊጾም። ንሳቶም፡ እዞም ሓደገኛታት ዘይበርሱ ቀመማት፡ ነቶም ንዝተፈላለየ መዓላታት ዝፈርዩ ናይ መጸባበቒ ፍርያት፡ ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ፡ ማይ ከየሕልፉን ኣብ ቈርበት ተጠቃማይ ቀልጢፎም ክዝርግሑን ከምዘኽእልዎም ሓቢሮም።
ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፡ ከባቢ 170 ዓይነት ሓደገኛ ቀመማት፡ ከም ጥረ-ነገር ኮይኖም ኣብ መጸባበቒታትን ንውልቃዊ ክንክን ዘገልግሉ ፍርያታትን ከምዝውዕሉ’ዩ ዝንገር። ዓመታዊ ከኣ ካብ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ዝወጽኡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኪሎ ዝምዘኑ ዘይበርሱ ቀመማት፡ ብማያዊ ኣካል ኣቢሎም ኣብ ኣከባቢ ሓደጋ የውርዱ ከምዘለዉ ይግለጽ። እዞም ክሳብ ኣርክቲክ ከይተረፈ ህላውነቶም ኣውሒሶም ዘለዉ ቀመማት፡ ኣብ ኣካላት ወዲ-ሰብ ክእከቡ ከምዝኽእሉ ይንገር።
ኣብ ናይ መጸባበቒ ፍርያተን፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ቀመማት ከምዘለዉ ዘስተውዓላ ገለ ምዕቡላት ሃገራት፡ እቲ ሓደገኛ ቀመም ካብ ፍርያተን ክእለ ዘገድድ ፖሊሲ ከውጽኣ ከለዋ፡ ገለ’ውን ነዞም ቀመማት ዘለዎም ፍርያት ኣብ ዕዳጋታት ካብ ምቕራብ ከምዝኸልከላ፡ ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ገሊጸን።
ኣብ ተጠቀምቲ ኮዝመቲክን ፍርያት ውልቃዊ ክንክንን ኣብ ዝተኻየደ መርመራታት፡ እቶም ነዞም ትሕዝቶታት መዓልታዊ ብልዑል ዓቐን ዝጥቀሙ ው ል ቀ – ሰ ባ ት ፡ ካብ’ቶም ዘይጥቀሙ ወይ ስሕት ኢሎም ዝጥቀሙ፡ ኣብ ደሞም ዝለዓለ ዘይበርሱ ቀመማት ክርከብከምዝተኻእለ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ’ውን፡ እዞም ቀመማት ብቘርበት ዞሪቖም ኣብ ጸባ ጡብ ተጠቀምቲ ክርከቡ ምኽኣሎም ተገሊጹ።