ዶግዳግ ጫማ፡ ኣብ ምህሳይ ጭዋዳታት ዓንካር-ዓንካሪቶ

በሪኽ ቁመት ዘለዎ ዶግዳግ ጫማ፡ ኣብ ዓንካርዓንካሪቶ ንዝርከቡ ጭዋዳታት ክሃስዮም ከም ዝኽእል ሜዲካል ኤክስፕረስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ጥዕና ኣጠንቂቑ። እቲ መርበብ፡ ኣብ ግዜ ምንቅስቓስ በሪኽ ታኮኡ ጫማ ንጭዋዳታት ስለዝሃሲ፡ መዓልታዊ ክዝውተር ከምዘይብሉ ወሲኹ ኣገንዚቡ። ናይ ዓንካርዓንካሪቶ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ቃንዛ ንምጉዳል ክሕግዞም ተባሂሉ ብርኽ ዝበለ ጫማ ክወድዩ ይረኣዩ እዮም። እዚ ግን ብስነ-ፍልጠት ዝተደገፈ ስለዘይኰነ፡ ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ምስ ዘዘውትርዎ፡ መሊሱ ቃንዛ ጭዋዳታት እግሪ ከምዘጋድደሎም’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ። ብተወሳኺ፡ እዚ ዓይነት ሳእኒ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ንጥፈታት ኣትለቲክስ ምዝውታሩ፡ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ከም ዝዛይድ እቲ ኣብ መርበብ ሜዲካል ኤክስፕረስ ዝወጽአ ሓበሬታ ኣብሪሁ ኣሎ። ዶግዳግ ጫማ፡ ቅንዕ ኢልካ ኣብ ምኻድን ቅርጺ ኣካላትካ ኣብ ምስራዕን እወታዊ ጥቕሚ ከምዘለዎ’ኳ ብክኢላታት ዝግለጽ እንተዀነ፡ ኣበይን መዓስን ክውደ ከምዘለዎ ምፍላጥ ግን ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕበር።

Leave a Comment