ደጋጊምካ ሰዓት ምዕዛብ ንስእነት ድቃስ የጋድድ

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኢንዲያና፡ ደጋጊምካ ሰዓት ምዕዛብ ንስእነት ድቃስ የጋድድ ሰዓት ምዕዛብ ንስእነት ድቃስ ከምዘቃልዕ ሓቢሮም። ስእነት ድቃስ ኣብ ማእከላይን ዳሕረዋይን ደረጃ ዕድመ ኣብ ዝርከቡ ሰባት ብተደጋጋሚ ዝርአ ጸገም ኮይኑ፡ ንሕማማት መትኒ ልቢ፡ ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ኣእምሮን እዩ ዘቃልዕ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕ ናይ ድቃስ ጸገማት ኣብ ዘለዎም ተሳተፍቲ እዩ ተኻይዱ። ድቃስ ኣብ ዝኣብየካ ግዜ ደጋጊምካ ሰዓት ምዕዛብ፡ መሊሱ ነቲ ስእነት ድቃስ ከምዘናውሖን፡ ስእነት ድቃስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘእትዉ መድሃኒታት ንኽትምርኮስ ድማ ከምዘገድደካን፡ እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም። ድቃስ ምስ ዝኣብየና፡ ህሉው ሰዓት ንኽንፈልጥ፡ ሰዓት ክንደይ ክንትንስእ ከምዘለናን ክንደይ ናይ ድቃስ ሰዓታት ተሪፉና ከምዘሎን ንምፍላጥ፡ ነናሻዕ ሰዓት ክንዕዘብ ንግደድ ኢና። እንተኾነ፡ እዚ ሰዓት ደጋጊምካ ናይ ምዕዛብ ንጥፈት፡ ነቲ ብሰንኪ ስእነት ድቃስ ዝሰዓበ ወጥሪ ኣእምሮን ኣካላትን፡ መሊሱ ስለዘጋድዶ፡ ነቲ ቀልጢፍካ ናይ ምድቃስ ተኽእሎ ከምዘትሕቶ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ገሊጾም። ሓደ ካብ’ቶም ተመራመርቲ ስፐንሰር ሳውሰን፡ ብስእነት ድቃስ ዝሳቐዩ ወገናት ድቃስ ኣብ ዝኣብዮም ግዜ፡ ሰዓት ክሕብሮም ዝኽእል ሞባይሎም ኮነ ሰዓትን ካልእ መሳርሒን ካብ ጥቓኦም ከርሕቑ መኺሩ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ብዘይምድቃስ ዝስዕብ ወጥሪ ኣጕዲሉ ብህድኣት ንኽድቅሱ ከምዘኽእል ኣፍሊጡ። ንሱ ኣስዒቡ፡ ኣብ እትህወኸሉ እዋን፡ ሰዓት ደጋጊምካ ምርኣይ ንህሉው ወጥሪ ስለዘጋድዶ ዘይምርኣይ ተመራጺ እዩ ክብል ምኽሩ ለጊሱ።

Leave a Comment