ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልእን ዝኣመሰለ ዘሰንብድ ተመኩሮ፡ ገለ ካብ’ቲ ካብ ኣእምሮና ክሃስስ ዝድንጒ ሕማቕ ተዘክሮ እዩ። እቲ ክስተት፡ ኣብ እዋን ቊልዕነት ዘጋጠመ ምስ ዝኸውን፡ ብኣጋኡ ድማ ፍታሕ ምስ ዘይግበረሉ፡ ኣብ’ቲ ሰብ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሳዕቤን እዩ ዘኸትል። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ – ኬምብሪጅ፡ ሓደ ሰብ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ዘሰንብድ ተመኩሮ ምስ ዘሕልፍን ማህሰይቱ ንምእላይ ድማ ግቡእ ሕክምናውን ሞራላውን ረድኤት ምስ ዘይረክብን፡ ግዳይ ሕዱር ሕማማትን ቅድመ ግዜኡ ኣካላዊ ዕብየትን ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ሓቢሮም። ብተወሳኺ፡ ክንዮ ኣእምሮኣዊ ጸገማት፡ ኣብ ኣካላዊ ጥዕና’ውን ጕድኣት ከም ዘስዕበሎም እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ብተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ዳላስ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድማ፡ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ብናይ ፍርሒ ስምዒት ዝሳቐዩ ቈልዑ፡ ኣብ መጻኢ ብናይ ኣእምሮ ሻቕሎትን ጭንቀትን ከም ዝጥቅዑ ሓቢሮም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። እቶም ተመራመርቲ፡ ንመጽናዕቶም ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ መንእሰያት ብምስታፍ እዮም ኣካይዶምዎ። ኣብ’ቲ ፈተነ ዝተሳተፉ መንእሰያት ድማ፡ ዝተፈላለየ ሕዱር ሕማማትን ቅድመ ግዜኡ ብጽሕና ዘጋጠሞምን እዮም ነይሮም። ኣብ’ቲ ዝተገብረ መጽናዕትን ምርምርን ከኣ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነቶም ብዘሰንብድ ተመኩሮ ዝሓለፉ ኰይኖም እዮም ተረኺቦም። ኣብ ግዜኡ ፍታሕ ብዘይምርካቦም ከኣ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዕድመኦም ሃስያ ከምዘውረደሎም ክግንዘቡ ክኢሎም። ሓደ ቈልዓ፡ ዘሰንብድ ናይ ህይወት ፈተነታት ኣብ ቅድሜኡ ምስ ዝፍጸም ወይ’ውን ኣብ ልዕሊኡ ምስ ዘጋጥሞ፡ ህጹጽ ረድኤት ዝረኽበሉ መንገድታት ክፍጠር ከም ዘለዎ ዘዘኻኸሩ እቶም ተመራመርቲ፡ እዚ ምግባር ድማ፡ ካብ’ቲ ድሒሩ ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤናት ክከላኸለሉ ከም ዝኽእል ኣነጺሮም